Fana: At a Speed of Life!

ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ መናእሰይ ከተማ መቐለ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ መናእሰይ ከተማ መቐለ ተዛቲዩ።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር፥ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቡ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝገብሮ ዘተ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ፡፡

ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ፥ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብራሃም በላይ፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋን ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴን ተረኺቦም፡፡

መናእሰይ ነቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ካብ ዘቕረቡዎም መሰረታዊ ሕቶታት ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብህወሓት እናበፅሖም ዝነበረ ፅዕንቶ ኣልዒሎም፡፡

እቶም መናእሰይ፥ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብቲ ክልል ይረአ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ኮኒኖም፡፡

እቲ ለውጢ ንዓመታት ይፅበዩዎ ዝነበረ ስለዝኾነ ብምፅራሕ፤ ምዕፋን ናፃ ሓሳብ ይበፅሖም ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ብስእነት ስራሕን ዘይፍትሓዊ ተረባሕነትን ዝተጎድኡሉ እዋን ዳግም ተመሊሱ ከይመፅእ ምስቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምዃን ከምዝሰርሑ ገሊፆም፡፡

ነቶም መናእሰይ ምላሽ ዝሃቡ ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ስሕተት ተማሂሩ ንዝኾነ ይኹን እንተየግለለ መናእሰይ ማእኸል ገይሩ ከምዝሰርሕ ኣገንዚቦም፡፡

ዶክተር ሙሉ ለውጡ ወገናዊ፣ አድሎዋዊ እና ቤተሰባዊ አሰራሮችን ለመቀየር ቁርጠኛ መሆኑን ነው ያረጋገጡት፡፡

ዶክተር ኣብርሃም በላይ ብግደኦም፥ “ኣብ ትግራይ ዝመፅአ ለውጢ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ንሓድነት፣ ሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያን እቲ ክልልን ዝመፅአ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ዝተረኸበ ዓወት ዓወት ኩሉ ትግራዋይ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ግዚያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኣታኽልቲ፥ ሰላምን ድሕንነትን ከተማ መቐለ ንምሕላው ኣብታ ከተማ ዝረአ ዘሎ ስርቂ ጠጠው ንምባልን ህዝቢ ናብ ስሩዕ ህይወቱ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መናእሰይ ቁልፊ ግደ ከምዘለዎም ኣብሪሆም፡፡

መናእሰይ ኣብ ጎኒ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ደው ብምባል ሰላሞም ንኽሕልዉ እውን እቶም ከንቲባ ፀዊዖም፡፡

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.