Fana: At a Speed of Life!

ግዚያዊ ምምሕር ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ምስዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግዚያዊ ምምሕር ክልል ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ ክልል ምስዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዩ።

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትኹረት ዝገበረ እቲ ዘተ፥ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ሓዊሱ ተወከልቲ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሕጋዊ ፓርቲታት ፖለቲካ ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብቲ ክልል ሰላም ንምምፃእ ኣብ ዝግበረሉ ፃዕሪታት ኣድሂቦም ምይይጥ ተኻይዱ።

ኣብ ቀፃሊ በቲ ግዚያዎ ምምሕዳር ክስርሑ ዝተሓሰቡ ኣብ ምዕሳል ሰላምን ካልኦት ጉዳያትን ብዝምለከት ተሳትፎ ፓርቲታት ፖለቲካ እንታይ ክኸውን ይግባእ ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ ዘተ ተገይሩሉ።

በትግራይ ክልል የተቋቋመው ጊዜያዊ አስተዳደር ዋና ሥራ አስፈጻሚ ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ በክልሉ ሊሠሩ የታሰቡ ሥራዎች ዙሪያ ለተሳታፊዎቹ ገለፃ አድርገዋል

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ ኣብቲ ክልል ክስርሑ ዝተሓሰቡ ስራሕቲ ዝምልከት ንተሳተፍሪ ገለፃ ገይሮም።

ብመሰረት እዚ በዓል ሽዱሽተ ነጥቢ ረቂቕ ቻርተር ምድላው ከምዝተገበረ ብምሕባር፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ምስትኽኻል ውዳበ ምምሕዳርን ኢኮኖሚ እቲ ክልል ክድንፍዕ ምግባርን ኣብቲ ቻርተር ከምዝተዘርዘሩ ተዛሪቦም፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ድሕንነትን ምርግጋፅ፣ ልዕልነት ሕጊን ፍትሒን ምሕላው፣ ኣብቲ ክልል ዝተቛረፀ ማሕበራዊ ግልጋሎት ክቕፅል ምግባርን ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ሃገራዊ መረፃ ብናፃ ክወዳደሩ ምግባርን እውን ኣብቲ ቻርተር ተዘርዚሮም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.