Fana: At a Speed of Life!

ግዘ መሰረት ዝገበረ ትልሚ ብምጥቃመይ ውፅኢታዊት ገይሩኒ – ተምሃሪት ሲፌኔ ተክሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዘ መሰረት ዝገበረ ትልሚ ብምጥቃመይ ውፅኢታዊት ገይሩኒ ክትብል ኣብዚ ዓመት መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ 600 ነጥቢ 575 ውፅኢት ዘምፀአት ተምሃሪት ሲፌኔ ተክሉ ገሊፃ።

ተምሃሪት ሲፌኔ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብ ዝገበረቶ ፃንሒት÷ “ዝፍተኖ ዓይነት ትምርቲን በዝሒ ምዕራፍን ብምፍላይ ምስ ግዘ ብምጥዕዓም ብትልሚ ከፅንዕ ስለዝኸኣልኩ ውፅኢታዊት ክኸውን ክኢለ ኢየ” ኢላ፡፡

ተምሃሮ ንፈተና እንትዳለዉ ዘለዎም ግዘ፣ ዝሽፍኑዎ ዓይነት ትምህርቲን ምዕራፍን መሰረት ብምግባር ብትልሚ ብምስንዳእ ንኸፅንዑ እውን ምዒዳ፡፡

ፈተና ካበየናይ ምዕራፍ ከምዝመፅእ ስለዘይፍለጥ ብዝተኽኣለ መጠን ኩሎም ምዕራፋት ምሽፋን ከምዝግባእ ኣገንዚባ፡፡

ኣነ በዚ ከይዲ ንፈተና ምድላው ብምግባረይ ካብ 600 ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ውፅኢት 575 ነጥቢ ከምፅእ ዝኸኣልኩ ኢላ፡፡

ካብ ናይ ባዕላ ፃዕሪ ብተወሳኺ ንዝተረኸበ ውፅኢት ሓገዝ ወለዲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ተዛሪባ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝህልዋ ፃንሒት “ኣፕላይድ ኒውትሬሽን” ክተፅንዕ ከምትደሊ ብምግላፅ÷ ተምሃሮ ንምሕጋዝ ዝተፈላለዩ ሓገዝቲ ፕሮጀክታት ብምሕንፃፅ ኣብ ዩቲዩብ እናምሀረት ከምትርከብ ፀሪሓ፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.