Fana: At a Speed of Life!

ግንባር ነፃነት ጋምቤላ  (ጋነግ) ዕጥቃዊ ቃልሰ ራሕሪሑ ሰላማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ንምክያድ ጋምቤላ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንገዛእ ርእሱ ግንባር ነፃነት ጋምቤላ  (ጋነግ) ብምባል ዝሰየመ ዕጥቃዊ ቃልሰ ራሕሪሑ ሰላማዊ ቃልሲ ፖለቲካ ንምክያድ ኣባላት እቲ ጉጅለ ጠርኒፉ ጋምቤላ ኣቲዩ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለን መንግስቲ ክልል ጋምቤላን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባን ኣዲስ ኣበባን ብመሰረት ዘሳለጥዎ ዘተ ሰላም ኢዩ ናብቲ ክልል ተመሊሱ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ፥ ኣብቲ ዝተገበረ ሓበራዊ ዘተ እቶም ኣባላት ብሰላም ናብ ሃገሮም ብምእታው ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ነቶም ኣባላት ስልጠና ተሃድሶ ክወሃብ ኢዩ እወን ኢሎም።

ኣቦ መንበር ግንባር ነፃነት ጋምቤላ(ጋነግ) ኣይተ ጋትሉዋክ ቡም ብግደኦም፥ 195 ኣባላት እቲ ጉጅለ ብሰላማዊ መገዲ ንምቅላስ ናብ ጋምቤላ ከምዝኣተዉ ምግላፆም ኣብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.