Fana: At a Speed of Life!

ግብፂ ኣብ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ግደ ሰብ ሞያታት ሕብረት ኣፍሪካ ክብ ይበል ብዝብል ዝቐረበ ሓሳብ ከምዝነፀገቶ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ግደ ሰብ ሞያታት ሕብረት ኣፍሪካ ክብ ይበል ብዝብል ዝቐረበ ሓሳብ ሱዳን ዝተስማዕመዐት እንትትከውን፥ ግብፂ ከምዘይተቐበለቶ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰስተ ሰሙናት ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝምልከት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ መግለፂ ሂቦም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ንዘሓለፉ ሸውዓተ መዓልቲታት ኣብ ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ምይይጥ ከምዝገበሩ ገሊፆም።

ሰለስቲአን ሃገራት ሞዳሊቲ እቲ ድርድር ንምስንዳእ ሕድሕደን ከክልተ ሰብ ሞያታት መሪፆም ከምዘቕረቡ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ድርድር ግደ ሰብ ሞያታት ሕብረት ኣፍሪካ ክብ ይበል ኣብ ዝብል ሓሳብ ኢትዮጵያ፥ ሱዳን ዝተስማዕመዐት እንትትከውን ግብፂ ከምዝነፀገቶ እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብሪሆም።

ብጥበበስላሴ ጀንበሩ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.