Fana: At a Speed of Life!

ግብፂ ንካናል ስዊዝ ዓፂያ ዝነበረት መርከብ ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂ ንካናል ስዊዝ ዓፂያ ዝነበረት መርከብ ንምልቃቕ ተስማዕሚዓ።

እታ መርከብ ንዘብፀሐቶ ጉድኣት ካሕሳ ክሳብ ዝኽፈል ከይትንቀሳቐስ ተኣጊዳ ፀኒሓ ኢያ፡፡

ሕዚ ምስ ሰብ ዋና እታ መርከብን ኩባኒያ መድሕንን ብዝተገበረ ስምምዕነት ካሕሳ፥ እታ ኤቨር ግሪን ዝተብሃለት መርከብ ከምትለቃ ግብፂ ኣፍሊጣ ኣላ፡፡

ግብፂ፥ እታ መርከብ ንካናል ስዊዝ ዓፂያ ኣብ ዝፀንሐትለን መዓልቲታት ንዝበፅሐቶ ክሳራ 550 ሚሊየን ዶላር ካሕሳ ከምዝሓተተት ተገሊፁ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሉ መጠን ክፍሊት ካሕሳ ግን ዕላዊ ኣይተገበረን፡፡

ባህሪ ሜዲራንያንን ቀይሕ ባሕሪን ዘራኽብ ካናል ስዊዝ ተዓፂዩ ኣብ ዝፀንሐሎም ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣብ ዓለም ለኸ ልውውጥ ንግዲ ልዑል ፅዕንቶ ፈጢሩ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

ነቲ ካናል ዓፂያ ዝነበረት መርከብ ኣብ ቃላይ ግሬት ቢተር ዝፀንሐት እንትትከውን፥ ድሕሪ ፅባሕ ተለቒቓ ናብ ስሩዕ ስራሓ ክትኣቱ ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.