Fana: At a Speed of Life!

ግብፂ ሓበራዊ ተረባሕነትን ፍትሓዊነትን ዘይተኸተለ ቅዋም ሒዛ ኣላ – ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂ ሓበራዊ ተረባሕነትን ፍትሓዊነትን ዘይተኸተለ ቅዋም ከምዝሓዘት መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ተደራዳሪ ወገን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር)÷ ውፅኢት ራብዓይ ዙር ሰለስተኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህደዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂም ድማ÷ ኣብ ኣተቓቕማ ሩባ ኣባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ብዝምልከት ግብፂ ንኢትዮጵያ ኣብ ዘይምልከት ውዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምድሃባ 4ይ ዙር ሰለስተኣዊ ድርድር ብዘይስምምዕነት ከምዝተዛዘመ ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ 4ይ ዙር ሰለስተኣዊ ድርድር ብዙሓት ምምሕያሻት ዝተገበሩሉን ድሌት እተን ሃገራት ዝተመዝገቡሉ ከምዝነበረ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣምባሳደር ስለሺ÷ ግብፂ ድርቂን ብፅሒት ማይን ብዝምልከት ሓበራዊ ተረባሕነትን ፍትሓዊነትን ዘይተኸተለ ቅዋም ከምዝሓዘት ገሊፆም።

በዚ ድማ እቲ ድርድር ብዘይ ስምምዕነት ከምዝተዛዘመ ኢዮም ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መመገዲን ብፍትሓዊ ድርድርን ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ረብሓ ኣብ ዝሕሉ መፍትሒ ሓሳብ ንምብፃሕ ዘለዋ ቆራፅነት ኣብሪሆም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.