Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ሰናት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝገበርኡ ሰብኣዊ ደገፍ ብዕፅፊ ክውስኻ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ዝደሊዩ ቁፅሪ ዜጋታት ብምውሳኹ ግብረ ሰናት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝገበርኡ ሰብኣዊ ደገፍ ብዕፅፊ ክውስኻ ከምዝግባእ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ በዝነበረ ኲናትን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ብሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂን ስዒቡ ብዙሓት ሰባት ሓገዝ ከምዝደሊዩ ተወካሊ ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ሜተክ ማጅ ተዛሪቦም።

ብኲናትን ድርቂን ዝተጎድኡ ልዕሊ 11 ሚሊየን ኢትዮጵያውያንን ልዕሊ 700 ሺሕ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ስደተኛታትን ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ግብረ ሰናይ ሃገራት ሓገዝ ዝፅበዩ ኢዮም ኢሎም።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ነቶም ተጎዳእቲ ሰብኣዊ ደገፍ ንምግባር ልዕሊ 600 ሚሊየን ዶላር ከምዘድሊ እውጅን ተዛሪቦም።

ሰብኣዊ ደገፍ ዝደሊዩ ዜጋታት ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ቁፅሮም ናብ 20 ሚሊየን ከምዝበፀሕ ድማ ይግመት ኢሎም።

ስለዝኾነ ግብረ ሰናት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝገበርኡ ሰብኣዊ ደገፍ ብዕፅፊ ክውስኻ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

እቶም ዳይሬክተር፥ ድሕሪ ውሳነ ደው ምቨባል ጎንፂ 20 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓናን ሓንቲ ነዳዲ ዝፀዓነትን ተሽከርከርቲ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ በምግላፅ ካልኦት 35 ተሽከርከርቲ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ከምዝበፅሓ ኣረጋጊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.