Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዞባ ኪልበቲ  ረሱ ኵናት ከምዝኸፈተ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ኣትዩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝበፅሖ ስዕረት ንምክሕሓስ ሐዚ እውን  ኣብ ዞባ ኪልበቲ  ረሱ ኵናት ከምዝኸፈተ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ÷ እቲ ግጅለ ግብረ ራዕዲ ብወገን ዞባ ኪልበቲ ረሱ፤ ኣብ ወረዳታት ኣብዓላን መጋሌን ዝኸፈቶ ኵናት ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፁ።

ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊነትን ርህራሀን ዘይብሉ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፤ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ከቢድ መሳርሒ ብምትኳስ ህዝቢ እናርዓደ ከምዝርከብ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዞባታትን ኣብ 21 ወረዳታትን ወረራ ብምክያድ፤ ንህዝቢ ዓፋር ብዘስካሕክሕ ኩነታት ዋላ እኳ እንተጨፍጨፈ፣ ብብዙሕ ቢሊየን ዝግመት ሃብቲ ንብረት ዋላ እንተዕነወ፣ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ንኽመዛበሉ እኳ እንተገበረ፣ ንጎረቤት ህዝቢ ክልል ትግራይ ሰብኣዊነት ክበሃል ድጋፍን ሓገዛትን ብወገን ዓፋር ኣብዓላ ንክሓልፍ እናተገበረ ምፅንሑ ገሊፁ።

ይኹን እምበር ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ርህራሀን ሓዘንን ዘይብሉ ብምዃኑ፤ ኣብቶም ቦታታት ጎንፂ ብምፍጣር እቲ ከባቢ ናይ ጎንፂ ቀጠና ንክኾንን ሰብኣዊ ሓገዝ ንከይሓልፍ ምግባሩ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ ዕብዳን እዚ ጉጅለ ግበረ ራእዲ ይኣኽለካ ክብል ይግባእ ዝበለ እቲ መግለፂ÷ ብጋህዲ እናወፀ ዘሎ ሽርሑን ተንኮሉን ብምርዳእ ካብ ህዝቢ ዝበልጽ ነገር ስለ ዘየለ ከም ህዝቢ ክቃወሞ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.