Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ሸኔን ናይ ጥፍኣት መሓዙቱን ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ኪረሙ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ብሄር ምስ ብሄር ንምጉናፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ሸኔን ናይ ጥፍኣት መሓዙቱን ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ኪረሙ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ብሄር ምስ ብሄር ንምጉናፅ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ገሊፁ።

መንግስቲ እቲ ክልል ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብዘላቕነት ንምጥፋእ ዝተፈላለዩ ተግባራት እናሳለጠ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።

ሓላፊ ዘፈር ኮሚሽነርን ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ሓጋዚ ኮሚሽነር ጌታቸው ኢታና መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ግብረ ራዕዲ ሸኔን ናይ ጥፍኣት መሓዙቱን 30 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ኪረሙ ሆራ ኣብ ዝተብሃለት ናይ ገጠር ከተማ ጉድኣት ኣብፂሖም ኢዮም።

መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንምድምሳስን እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕን ዝተፈላለዩ ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ሓጋዚ ኮሚሽነር ጌታቸው ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ዕለት እቶም ፀረ ሰላም ሓይሊታት ብሄር ምስ ብሄር ብምጉናፅ ዓሊሙ ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብዝተወሰደ ስጉምቲ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተቐቲሎም ኢዮም ኢሎም።

ብኻሊእ መዳይ ዝተወሰኑ ማራኸብቲ ሓፋሽ በቲ ሓደጋ ዝተጠቕዑ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ዝተፈላለዩ ብሄር ኮይኖም እናሃለዉ ተጎዳእቲ ናይ ሓደ ብሄር ኣባላት ምግባሮም ግቡእ ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ትኽክለኛ ሓበሬታ ክብ ዝምልከቶም ኣካላት ከፃርዩ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.