Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ኣብ ትካላት ዘብፀሖ ጉድኣት ታራ ዘረፋን ዕንወትን ዘይኮነስ ሃገር ንምድኻም ዝተተለመ ከምዝኾነ ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ወራሪ ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ኣብ ትካላት ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ታራ ዕንወት ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገር ናይ ምድኻም ትልሚ ከምዝኾነ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ከተማታት ኮምቦልቻን ደሴን ጉድኣት ዝበፅሖም ሆቴላት፣ ማእኸል ቲሹ ካልቸር  ሕርሻ ደሴ፣ ዩኒቨርስቲ ወሎ፣  ፋብሪካ ችቡድን ሆስፒታል ኮምቦልቻን ዕዉደት ጌሮም እዮም፡፡

ኣብ ማእኸል ቲሹ ካልቸርን ሕርሻን ደሴ ዝበፅሐ ዕንወት እቲ ከባቢ ኢሉ እዉን ሃገር ካብ ድኽነት ናይ ምዉፃእን ብቴክኖሎጂ ንምዝማንን ዝተትሓዘ ትልሚ ኾነ ኢሎም ንድሕሪት ንኽጉተት ዝዓለመ ዕንወት ምፍፃሞም ገሊፆም፡፡

እቲ ማእኸል ብፈለምትኡ ኣብ ከተማ ደሴ ንኸይጣየሽ ብዙሕ ፅዕንቶ እናበፅሐ ምንባሩ ብምዝኽኻር÷ ብልዑል ፃዕሪን ዝተፈላለዩ ኣካለት ብምትሕብባርን ከምዝተመስረተ ሓቢሮም፡፡

ብተመሳሳሊ መምረቲ ችቡድ ኮምቦልቻ ኣብ ልዕሊ ንግዲ ወፃኢ ሃገር ከዕቢ ዝኽእል ዘመናዊ ፋብሪካ ዝበፅሐ ዕንወት ምኻኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ሃገር ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ሱቕ ኢሉ ዘረፋን ዕንወትን ዘይኮነስ ኣጀንዳ ኢኮነሚ ሃገር ንምድኻምን ንምጥፋእን እዩ ኢሎም፡፡

ከምዚኦም ዓይነት ትካላት ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ተበቲኖም ከምዘይተርፉ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ÷ ናብ ንቡር ብምምላስ ንምዕናዉ ዝተሓሰበ ዓላማ ምኽባስ ከምዝከኣል ምግላፆም ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.