ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝጀመሮ ህዝባዊ ጥፍኣት ማሕበረሰብ ዓለም ከውግዞ ይግባእ-ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ ኤፍ ቢ ሲ(2014 ዓ.ም)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ብዝኸፈቶ ብከበድቲ ኣፅዋራት ዝተደገፈ ህዝባዊ ጥፍኣት ማሕበረሰብ ዓለም ከውግዞ ይግባእ ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ገሊፁ።
እቲ ጉጅለ ቅድመ ሐዚ ብሰለስተ ዙር ብዝኸፈቶ ኲናት ንፁሃን ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ህፃናት፣ ሽማግለታት ብዘይ ምንም ርህራሀ ብጅምላ ከምዝጨፍጨፈ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ህዝባዊን ሃይማኖታዊን ትካላት ከምዘዕነወን ብዙሓት ነበርቲ ከምዘመዛበለን ብምግላፅ፥ እቶም ዜጋታት ንጥምየትን ሞትን ከምዝተቓልዑ ኣብሪሁ።
ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ግብረ ራዕዲ ነፂልካ ብምርኣይ ክወሃቦ ዝግባእ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሸነኽ ክልል ዓፋር ንክሓልፍ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት መንግስቲን ህዝቢን ክልል ዓፋር ምስ መንግስቲ ፌዴራል፣ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ዓለም ለኸ ትካላትን ብምትሕብባር ክሰርሕ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሩ።
ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝጀመሮ ኲናት ደው ንክብል መንግስቲ ኣማራፂ ሰላም እንተቕረበ እውን እቲ ግብረ ራዕዲ ነዚ ብምሕሳም ኣብ ዞባ ፈንቲረሱ ራብዓይ ዙር ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ከምዝኸፈተ ገሊፁ።
በቲ ኲናት ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ብከቢድ ኣፅዋር ከምዝቐተለ ድማ ሓቢሩ።
ስለ ዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝወለዖ ኲናት ደው ንከብል ከውግዝ ይግባእ ድማ ኢሉ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።