Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣቅስታ ጦር ካምብ ብምግባር እናተገልገለሉ ፀኒሑ ተባሁሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ለጋንቦ ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣቅስታ ጦር ካምብ ብምግባር እናተገልገለሉ ፀኒሑ ተባሂሉ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ 1945 ዓ.ም ጀሚሩ ንህፃናት እቲ ከባቢ ፍልጠት እናለገሰ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝፀንሐሉ ሓደ ወርሒ፥ ኮምፒዩተራት፣ ፕላዝማ ቴሌቪዥናት፣ ኣቑሑት ቤተ ፈተነ፣ ክባር ናውቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኽዘኑሉ ንብረት ክፍሊ፣ ጀነሬተር፣ ሶላር፣ ኢንተርኔት መገልገሊ ሓዊሱ ዘለዉ ንብረታት ኩሎም ዝኸኣሎ ዘሪፉ ዘይከኣሎ ከምዘዕነዎ ካብ ቢሮ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

መግለፂ ክብሪ መምህራን ዝኾነ ጋወን ክብሩ ንምውራድ ኣብ መጠራቐሚ ጎሓፍ ከምዝተደርበየ፤ ቢሮታትን መምሃሪ ክፍሊታትን ከም መናፅ እናተጠቐሙሎም ከምዝነበሩ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ቤት ትምህርቲ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ነባር ተምሃሮን መላእ ኢትዮጵያውያንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓገዝ ንኽገብሩ ተምሃሮን መምህራንን እቲ ቤት ትምህርቲ ፃዒት ኣቕሪቦም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.