Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኮምቦልቻ ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ዕንወትን ዘረፋን ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኮምቦልቻ ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ዕንወትን ዘረፋን ከምዝፈፀመ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብወራር ሒዙ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን በቢወርሑ ብኣማኢት ኣማኢት ሚሊየናት ዝቑፀር ብር ብምእካብ ንልምዓት ሃገር ብምውዓል ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ኣብ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኮምቦልቻ ልዑል ዕንወት ምብፅሑ መካየዲ ስራሕ እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣይተ ያረጋል ሃይሉ ተዛሪቦም፡፡

መገልገልቲ ኣቑሑት ካብ ምዕናው ንላዕሊ ሰነድን ማህደርን ሰራሕተኛታትን ከፈልቲ ግብሪን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምግባር ሃገር ምፍራስ ዝብል ዕላምኡ ብቅለርፂ ኣርኢዩ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቶም ጨንፈራት ናብ ስሩዕ ተግባሮም ንምእታው ኩሉ ርብርብ ንኽገብር ከምዝተሓተተ ካብ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.