Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዓውዲ ግንባር ዝነበሩ ዕጡቓት ዝተወሰኑ ቁሱላትን ሬሳታትን ናብ ትግራይ ብምውሳድ “መንግስቲ ጅምላዊ ጨፍጫፍ እናፈፀመ እዩ“ ንዝብል ፕሮፕጋንዳ ሓሶት እናተዳለወ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጥምረት ሓይሊታት ጦር ኢትዮጵያ ስዕረት ተጎልቢቡ ናብ ትግራይ ዝሃደመ ሓይሊ ጉጅለ ህወሓት ኣብቲ ውግእ ዝነበሩ ቁሱላትን ሬሳታትን ዕጡቓት ዝተወሰኑ ጥራሕ ናብ ትግራይ ሒዙ እናሃደመ ከምዝኾነ ካብ እሙናት ፍልፍላት ሓበሬታ ዝረኸብናዮም ፀብፃባት የመላኽቱ።

እቲ ጉጅለ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ብምሽጥር ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፤ ጥምረት ሓይሊታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘለትሉ ቁመናን ኣካይዳን ናብ መቐለ ኣብ ሓፂር እዋን ክኣቱ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ብምውሳድን ካብ ዘጓንፉ ፀገማት እቲ ሓደ ክኸውን ከምዝኽእል ገይሩ ዝገምገመ እንትኸውን፤ እዙይ ምዃኑ እንድሕር ዘይተረፈ ብዝብል ሐሳብ ህዝቢ ትግራይን ህብረተሰብ ዓለምን ዘጭብርብረሉ ሽርሒ ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ።

እናተቐነባበረ ዘሎ ሽርሒ ምስ ኣብዚ ሰሙን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይ ኣኼባ ብምግባር ዝወሰኖ ዉሳነ ዝጠዓዓም ምዃኑ ዝሓበሩ ፍልፍላትና÷ እቲ ቤት ምኽሪ ቅድሚ ሐዚ ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብምኻን ምርምር ብምግባር ዘቕረቦ ዛዕባ ሪፖርት ከም ብሓድሽ ንኽረአን ብምዕራባዉያን ገናሕነት ዘሕለፎ ዉሳነ ንዚ ሽርሒ ሓጋዚ ንክኾን ተተሊሙ  ዝብል ጥርጣረ ምሕዳሩ ገሊፆምልና፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብ ትግራይ እንተኣትዩ ካብ በቢ ግንባር ዝኣከቦም ቁሱላትን ሬሳታትን ዕጡቓትትን ምስሊ ብምውዛሕ፤ ናይዚ ውሳነ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ውዱብ ሕቡራት መንግስቲ ምክንያታዊ ኮይኑ ተቐባልነት ንክረክብ ምስ ተኣዘዝቲ ምእራባውያን ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሻትን ትካላትን ተናቢቡ ንምስራሕ ዝተተለመ ከምዝኾነ ዝገለፁ ሓበሬታትና፤ ውሳነ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ሉዓላዊነት ዘይስማዕማዕን ፖለቲካዊ ትርጉም ዘለዎ እዩ ብዝብል ካብ 22 ሃገራት ተቃውሞ ከምዘጋጦሞ ኣዘኻኺሮም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.