Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር እናብፀሖ ዝርከብ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ነበርቲ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ክልበቲ ረሱ እናብፀሖ ዝርከብ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ነበርቲ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ከባቢ ክልበቲ ብዘብፀሖ ወራርን መጥቃዕቲን ነበርቲ ወረዳ ኣብዓላ፣ ኮናባ፣ እሪፕቲ፣ መጋሌን በራህሌን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኢዮም፡፡

ሕዚ እውን ብጥቕዓት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ወረዳ ኮሪ ቀበሌ ጉዋህ ኣዕቊቦም ከምዝርከቡን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ተመልኪቱ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ እናፈፀሞ ዝርከብ መጥቃዕቲ ከበድቲ መሳርሒታት እውን ንልዑል ስቓይ ከምዝተቓልዑ ኢዮም እቶም ተመዛበልቲ ገሊፆም ዘለዉ።

እናብፀሖ ዝርከብ ጥፍኣት መንግስቲን ዝምልከቶ ኣካልን ሽቕ ክብሎ ከምዘይግባእ እውን ሓቢሮም፡፡

ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምግባር ልዑል ትኹረት ከምዝደሊን ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣካላት ግደኦም ንኽዋፅኡን እቶም ተመዛበልቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብይስማው ኣደራው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.