Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ንፁሃን ዜጋታትን ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ትዴፓ ኮኒኑዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ /ትዴፓ/ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ንፁሃን ዜጋታትን ዝፈፀሞ ጨፍጫፍ ኮኒኑ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 107 ህፃናት ሓዊሱ 240 ንፁሃን ዜጋታት ምቕታሉ ኣልጀዚራ ብዝሰርሖ ፀብፃብ ምቅልኡ ይፍለጥ፡፡

እቲ ጉጅለ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ፥ ኣብ ክልል ዓፋር “ካሊኩማ” ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝርከቡ ከተማታትን ኣቢያተ ትምህርቲን ዒላማ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ዋላኳ መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ እንተገበረ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣብ ፀብፃቡ ኣገንዚቡ።

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ከምዝተመዛበሉ ገሊፁ፡፡

ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ /ትዴፓ/፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታትን ዝፈፀሞ መጥቃቲ ዝኹነን ከምዝኾነን በቲ ዝተፈፀመ ተግባር ከምዝሓዘነን ኣፍሊጡ፡፡

ሃላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ፓርቲ ሙሉብርሃን ሃይለ ምስ ግዜኢ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ቅድሚ ሕዚ እናፈፀሞ ዝፀንሐ ተግባር ሕዚ እውን ምድጋሙ ከምዘሕዘኖም ገሊፆም፡፡

መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ንምጥፋእን ንምድምሳስን ብሓባር ጠጠው ክብሉ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣይተ ሙሉ ብርሃን፥ ብዝበፅሐ ተግባር ንህዝቢን መንግስቲን ዓፋር ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.