Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ መኽዘን ብምእታው ዝጥቀመሉ ዝነበረ ስርናይ ንህዝቢ ተኸፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ መኽዘን ብምእታው ንቐለብ ዕጡቓቱ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ስርናይ ንህዝቢ ተኸፋፊሉ።

ካብ ገብረ ራዕዲ ናፃ ዝወፅኡ ነበርቲ ሰራዊት ምክልኻል ድሕነነት ህዝቢ ብምሕላውን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ነዕላማ ኲናት ከውዕሎ ዝነበረ ናይ ሓገዝ እኽሊ በምክፍፋሎም ሕጉሳት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሓላሲ ሀንፀት ስነ ልቦና እቲ እዚ ከምዝበልዎ፥ ሰራዊት ምክልኻል ንነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ እኽሊ ብምዕዳል ንህዝ ዝሓሊ ከምዝኾነ ብተግባር ኣርኢዩ።

እቲ 120 ኩንታል ስርናይ ን2 ሺሕን 767 መራሕቲ ስድራ ብምክፍፋል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብተግባር ሀዝባውነቱ ኣረጋጊፁ ኣሎ ኢሎም።

እቶም ነበርቲ ነዝተገበረሎም ሰናይ ተግባር አመስጊኖም።

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብምኽኒያት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንጥምየትን ምንግልታዕን ተቓሊዕና ፀኒሕና ኢና ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.