Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ታሪክ ይቕረ ዘይብሎ ኢዩ-መንግስቲ ክልል ሶማሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ጭፍጨፋን  ታሪክ ይቕረ ዘይብሎ ኣነዋሪ ተግባር ኢዩ ክብል መንግስቲ ክልል ሶማሌ ገሊፁ።

መንግስቲ ክልል ሶማሌ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ካቢኔ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝተሓባበረ ቅልፅም ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ማእኸላዊ ስልጣን ካብ ዝተወገደሉ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ዘበን ስልጣኑ ዝሰብኮ ዝነበረ ኣፈላላይ ብምርጋብ ደም ዘፋስስ ጎንፂታት ብምቕስቃስ ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ንክሞቱን ክፈናቐሉን ምግባሩ ኣዘኻኺሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ከልል ኣምሓራን ዓፋርን ወረራ ብምፍፃምን ጦርነት ብምኽፋትን ናይ ጅምላ ጨፍጫፍ ሓዊሱ ዘግናኒ ግፍዕን በደልን ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፁ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ህዝቢ ሶማሌ ኣብ ትሕቲ ሞግዚት ምምሕዳር ንክፀንሕን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ናይ ወሰን ተመልካቲ ንክኸውንን ካብ ምግባር ብተወሳኺ መቕተልቲን ኣገዲድካ ምድፋርን ዝብሉ ኢ-ሰብኣዊ ናይ ጭካነ ተግባር ከምዝፈፀመ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ብተለኣኣኽቱ ኣቢሉ ትማሊ እንትቐትልን እንትዘርፍን ዝነበረ ሐዚ አወን ዕድል እንተረኺቡ ካልኦት ጨካናት ባምቡላታት ብምጥቃም ናይ ትማሊ ግፍዕን በደልን ካብ ምድጋም ንድሕሪት ከምዘይብል ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ንነበርቲ እቲ ክልል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዘመሓላልፎ ስኑዕ ፕሮፓጋንዳ እንተይተረበሽኩም ከባቢኹም ብንቕሓት ክትሕልዉ ኣለኩም ኢሉ።

ብተወሳኺ ኩለ መዳይ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ቃልሲ ብእትኽእልዎ ዓቕሚ ብምስታፍ ንጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለኩም ደጀንነት ኣጠናኺርኩም ንኽንቅፅሉ ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.