ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንድሕንነት ኢትዮጵያ ስግኣት ኮይኑ ንኸይቕፅል ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሱ ኢዩ – ሌ/ጄ ባጫ ደበሌ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንድሕንነት ኢትዮጵያ ስግኣት ኮይኑ ንኸይቕፅል ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተደምሰሰ ዋና መተሓባበሪ ክፍሊ ስራሕቲ ህንፀት ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም።
ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ምስ ላዕለዎት መኮንናት እቲ ክፍሊ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ “እቲ ጁንታ ካብ እዚ ሰሜን ዝዘረፎም ኣፅዋራት ሒዙ ንምውጋእ ይፈትን እምበር፤ ሰራዊት ምክልኻል ብጅግንነትን ኣይሰዓርን በሃላይነትን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ስሩዕ ውግእ ከካይድ ከምዘይኽእል ገይሩ ደምሲሱዎ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ብስሩዕ ውግእ ተወቒዑ ዝተበታቲኑ እቲ ሓይሊ ብሽምቕ ውግእ ንምውጋእ ይፈትን እምበር እቲ ሰራዊት ቀንዲ ኣመራርሓ እቲ ጁንታን ተዋጋእቲን ካብ ዝተሓብኡሉ ጣሻ እናለቓቐመ ብምድሳስን ናብ ሕጊ ብምቕራብን ዝፈፀሞ ግቡእ ዕዉት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ጉጅለ ብስሩዕ ይኹ ብሽምቕ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ከይህልዎ ገይሩ ስለዝደምሰሶ፥ እቲ ሓይሊ ከም ኣማራፂ ዝወሰዶ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ብምስራሕ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ተሓቢኡ ህፃናትን ሽማግለታትን ኣብ ቅድሚቱ ገይሩ ምውጋእ ከምዝመረፀ ተዛሪቦም፡፡
ሰራዊት ኣብ ትግራይ ሕጊ ንምኅባር ን8 ኣዋርሕ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ህዝቢ ተረባሒ ሰላም ንኽኸውንን ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ድጋፍን ናብ ህዝቢ ክበፅሑ መስዋእቲ እናኸፈለ ዘገልገለ ይፅናሕ እምበር ካብ ህዝቢ ዝረኸቦ ምላሽ ግን ተፃራሪ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
“ድሌት ህዝቢ ንምምላእን እዋን ፅምዋ ንመሃብን መንግስቲ ብዝወሰኖ ውሳነ መሰረት ብምግባር እቲ ሰራዊት ንመቐለ ለቒቑ እንትወፅእ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ተሓቢኡ ዝነበረ ሓይሊ ናብ ማእኸል ከተማ ወፂኡ ሳዕሰዐ እምበር፤ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኣይተዋግአን ናይ ምውጋእ ድሌት የብሉን” ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።