Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተኸተልቱን ዝተዓጠቖ መሳሪያን እናደርበየ ይሃድም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣  19 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተኸተልቱን ዝተዓጠቖ መሳሪያን እናደርበየ ይሃድም ኣሎ ክብሉ ኣብ ወሎ ግንባር ዝርከቡ ናይ ጦር ኣዘዝቲ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት እናተወቕዐ ተኸተልቱ እናተደምሰሱ እናተማረኹ ይርከቡ።

ኣብ ወሎ ግንባር ናይ 21ኛ ጉና ክፍለጦር ኣዛዚ ኮሎኔል ተክሉ ሁሪሳ፥ እቲ ጉጅለ ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ዝርፊያ፣ ንፁሃን ምቕታልን ናይ ውንብድና ተግባራት ምፍፃሙን ኣረዲኦም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ንምግምሳስ ናይ ሃገር መከላከያ ሰራዊት፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምዃን ንዝተኻየዱ ወታደራዊ ስጉምቲታት ፀላኢ ብምድምሳስ ቁልፊ ቦታታት ምቁፅፃር ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ናይ 11ኛ ክፍለጦር አዛዚ ኮሎኔል መኳንንት ብግደኦም÷ አሸባሪ ህወሓት  ፈፂሞ ዘይፃወሮ  መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞ ተዛሪቦም።

ኣሸባሪው ጉጅለ ደምሲሰዮም ብዝበሎም ነጃይ 21ኛ ጉናን 11 ክፍለጦራት ይድምሰስ ኣሎ ኢሎም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ወሎ ግንባር ናይ ጦርነት ዓውዲታት ብምርካብ ናይ ጀጋኑ ዓወት ኣረጋጊፁ ኢዩ።

ናይ 112ኛን 210ኛን ኮራት አዛዚ ብርጋዴር ጀኔራል ዓለሙ አየነው፥ ፀላኢ ኣብ ሓፂር ግዜ ንምድምሳስ ዝተዋደደ ዘመቻ ተግባራዊ ይግበር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

 

ብኣፈወርቅ እያዩ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.