Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተሽከርከርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኲናት ምጥቃም ቀፂሉሉ ኣሎ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተሽከርከርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኲናት ምጥቃም ቀፂሉሉ ኣሎ ከብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ መንግስቲ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኲናት ሰሜን ብሰላም ንምዝዛምን ንክልል ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ንክበፅሕን ብዙሓት ፃዕሪታትን ተግባራዊ ስጉምቲታትን ክግበር ከምዝፀንሐ ሓቢሩ።

ብኣንፃሩ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ቅድመ ሐዚ ብደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተረኸበ ሓገዝ ንምብፃሕ ናብ ተግራይ ዝኣተዋ ተሽከርከርቲ ንዕላማ ኲናት እንትጥቀመለን ከምዝፀንሐ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ምግላፁ ኣዘኻኺሩ።

ብተወሳኺ እቲ ሓገዝ ንእታዎታት ዕጡቓቱ ይጥቀመሉ ከምዝፀንሐ ተረጋጊፁ ኢዩ ኢሉ።

ዓለም ለኸ ትካላት በቲ ገብረ ራዕዲ ዝተፈፀመን ዓለም ለኸ ሕጊታት ዝጠሓሰን ገበናት ደው ናይ ምባል ሓላፍነት ከምዘለዎም ብምግላፅ፥ ናብቲ ክልል ዝኣተወ ደገፍ ንግቡእ ዕላማ ከምዝወዓለ ናይ ምርግጋፅ ግዴታ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቶም ትካላት ዝተውሃቦም ሓላፍነት ነክዋፅኡ መንግስቲ ተደጋጋሚ ፃውዒት ምቕራቡ እውን ኣዘኻኺሩ።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሳልሳይ ዙር ወረራ ምፍፃሙ ስዒቡ መንግስቲ ሀልውና ሃገርን ድሕንነት ዜጋታትን ንምኽባር ስጉምቲ ምክልኻል ይወስድ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ መንግስቲ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ካብ ዝወስደሎም ከባቢታት ትካላት ሓገዝ ካብ ምንቅስቓስ ንክቑጠቡ መንግስቲ የተሓሳስብ ኢሉ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ቅድም ኢሉ ካብ ዝዓገተን ተሽከርከርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ኣርማ ትካል ምግቢ ዓለምን ውሕመን ብምቕባእ መሳርሒ ኲናትን ተዋጋእቲን ብምምልላስ ንወተሃደራዊ ዕላማ ይጥቀም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ትካላት ሓገዝ ንሓገዝ ዝጥቀሙሎም ተሽከርከርቲ ንረብሓ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ዘይምውዓሎም ንከረጋግፁ መንግስቲ ብጥቡቕ ኣተሓሳሲቡ።

 

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.