Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈፀሞ ወራር ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ትራንስፖርት ልዕሊ 1 ነጥቢ 75 ቢሊየን ብር ዝግመት ዕንወት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈፀሞ ወራር ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ትራንስፖርት ልዕሊ 1 ነጥቢ 75 ቢሊየን ብር ዝግመት ዕንወት ምብፅሑ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ።

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ህወሓት ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ብዝሰርሖ መፅናዕቲ ሓለፍቲን ሰብ ሞያን እቲ ዓውዲ ተዛቲዮም።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ በርኦ ሓሰን፥ ኣብቲ መፅናዕቲ ዘተ ምግባሩ ተወሳኺ እታዎት ንምእካብን ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ቀፃሊ ዝበፅሑ ፅዕንቶታት ብኸመይ መፍታሕ ከምዘለና ንምድላው ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ በቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ወረራ ካብ መንጎ ዝተፈፀመሎም ዞባታት ሰሜን ሸዋ፣ ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ፣ ደቡብ ወሎ፣ ምምሕዳር ከተማ ደሴ፣ ሰሜን ወሎ፣ ደቡብ ጎንደርን ዋግህምራን  ትሕቲ ዝርከቡ ወረዳታት ካብ ዘለዉ 12 ወረዳታት እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ሓበሬታታት ምእካቡ ተገሊፁ።

ብመሰረተ እዚ ናውቲታት ኤሌክትሮኒክስ፣ ቢሮ፣ ህንፀት፣ መሳርሒታት ፅሕፈተ፣ ማሽነሪን ተሽከርከርቲን መሰረተ ልምዓት መገዲ በድምሩ 1 ነጥቢ 344 ሚሊየንን 717 ሺሕን 276 ብር ዝግመት ንብረት ዕንወትን ወረራን መፍፃሙ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ 3 ዞባታት ብመሰረት ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ብምዕናውን ብዝተወረሩ ናውቲታት ኤሌክትሮኒክስን፣ ናውቲታት ቢሮ፣ ሀንፀት፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ማሽነሪን ተሽከርከርቲን መሰረተ ልምዓት መገዲ ብድምሩ 406 ሚሊየን 69 ሺሕን 625 ብር ዝግመት ነብረት ከምዝዓነወን ዝተወረረን ተገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ ትልሚ እውን ዘተ ተገይሩ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.