Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝተኮሶ ከቢድ ኣፅዋር ኲናት ህይወት 5 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ ኽምራ ወረዳ ኣበርገለ ብዝተኮሶ ከቢድ ኣፅዋር ኲናት ህይወት 5 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ከምተባረዐ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ወረዳ ኣይተ ዩሃንስ ኣዳነ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ልታርፍን ፍርጣጣን ኣብ ዝተብሃሉ ሰፈራት ናብ ንፁሃን ዘቕንዐ ኣፅዋራት ኲናት ከምዝተኮሰ ገሊፆም።

በዚ ድማ ኣባላት ሓደ ስድራ ዝኾኑ 5 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣብሪሆም።

ኣብ ልዕሊ ሓደ ነባሪ ድማ ናይ ምቑሳል ሓደጋ ከምዘጋጠመ ገሊፆም።

እቲ ግፍዓዊ በደል ዝበፅሖ ዘሎ ነባሪ ኣብ ጎኒ ስሙር ሓይሊ ብምዃን ደጀንነቶም ንከጠናኽሩ ፃውዒት ምቕራቦም ካብቲ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.