Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወገን ዶብ ሱዳን ምስ ካልኦት ፅንፈኛ ሓይሊታት ምትእስሳር ብምፍጣር ዝገበሮ ምንቅስቓስ ምፍሻል ተኻኢሉ – ጄነራል ጌታቸው ጉዲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወገን ዶብ ሱዳን ምስ ካልኦት ፅንፈኛ ሓይሊታት ምትእስሳር ብምፍጣር ዝገበሮ ምንቅስቓስ ምፍሻል ከምዝተኽኣለ ዋና ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ጄነራል ጌታቸው ጉዲና ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ግምባር እናገበሮ ዝርከብ መጥቃዕቲ ንምቅልጣፍ ካብ ዶብ ሱዳንን ካልኦት ፅንፈኛ ሓይሊታትትን ዝገበሮ ምትእስሳር ሓይሊታት ፀፅታ ምምሕዳር ምዕራብን ማእኸላይን ጎንደር ኢሉ እውን ወልቃይት ከባቢ ምስ ሰራዊት ጥምረት ብምፍጣር ብዝገበሩዎ ዘይሕለል ቃልሲ ክመክን ከምዝኸኣለ እቶም ጀነራል ገሊፆም።

ንኣመራርሓን ህዝቢን እቲ ከባቢ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንኻሊእ ህዝቢስ ይትረፍ ወፂአሉ ንዝብሎ ማሕበረሰብ ዘይኸውን ከምዝኾነ ዝገለፁ ጀነራል ጌታቸው ጉዲና፥ እቲ ጉጅለ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ካብ ጥፍኣት ዘይምለስን ንእኩይ ዕላማ ዝተፈጠረ ስለዝኾነን ክሳብ መወዳእታ ምስንባት ከምዝግባእን ኣገንዚቦም።

ከም ሃገር ዓበይቲ ስለዝኾንና ኣረኣእያናን ተግባርናን ኣብ ዓበይቲ ዛዕባታት ምግባር ይግባእ ምባሎም እውን ካብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.