Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ ይነግድ ኣሎ-ኣብ ዲላ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ ይነግድ ኣሎ ክብሉ ኣብ ዲላ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኘገሊፆም።

ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባ ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም።

እቶም ተሳተፍቲ፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ እናነገደ ጊዘ ስልጣኑ ንምንዋሕ እንበር ንህዝቢ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ብምንፃግ ንመበል ፋልሳይ እዋን ኲናት ምኽፋቱ ከምዘሕዘኖም ገሊፆም።

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሰላም ምንባር ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እንበር እቲ ክልል ንበይኑ ዓፊኑ ብምሓዝ ንእኩይ ዕላምኡ ምውዓል ጠላዕ ዝኸሰረ ፖለቲካ ህወሓት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ እቲ ተግባር ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ተጋሩ ይኹኑ ካልኦት ከውግዝዎ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.