ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሃገር ናይ ምፍራስ ሽርሑ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ተኸታታሊ ፈተነ እናገበረ ምፅንሑ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሃገር ናይ ምፍራስ ሽርሑ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ተኸታታሊ ፈተነ እናገበረ ምፅንሑ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ከምዘርገለፁዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዕጡቓት ብምውፋርን ካብ ሱዳን ብምብጋስን ዝተፈላለዩ መጥቃዕቲታት ንምፍፃም ተደጋጋሚ ፈተነ ገይሩ፡፡
በዚ ድማ ዕጡቓት ህወሓት ጉጅለታት ብምልኣኽን ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዕጡቓት ኣሽሊኹ ንምእታው ኣብቲ ክልል ጥፍኣት ኣብፂሑ ኢሎም፡፡
ሸኔን ካልኦት ናይ ጥፍኣት ተሓባበርቱን ሓቢሮምዎ ጠጠው ከምዝበሉ እውን ገሊፆም፡፡
ጥምረት ሓይሊታት ፀፅታ ኢትዮጵያ ሽርሒ ፀላኢ ብምፍሻል ተደጋጋሚ ዓወት ከምዘመዝገቡ ብምግላፅ፥ እቶም ፈተነታት መጥቃዕቲ ከምዝፈሸሉ እውን ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ኣብሪሆም፡፡
ብኣፈወርቅ እያዩ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።