Fana: At a Speed of Life!

ግሩፕ ኢነርጂ ቻይና ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ኣብ ኢትዮጵያ ንምውፋር ዘኽእሎ ዘተ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ግሩፕ ዓለም ለኸ ኢነርጂ ቻይና ቺያዎ ሽዩቢን ተዛቲዮም፡፡

ናይ ክልቲኦም ወገናት ዘተ፤ እቲ ትካል ክወፈረሎም ኣብ ዝኽእለሎም መመሓየሺ መመሓላፊ መስመራት ሓይሊን ካብ ዋና መስመር ኤሌክትሪክ ርሒቖም ዝርከቡ ከባቢታት ሓይሊ ፀሓይ ተበፃሒ ኣብ ምግባር ዘድሀበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ኣለሻን ኳዕቲን ማይ ከርሰምድሪ፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ሓፈሻዊ ሳኒቴሽንን መፃረዪ ፈሳሲን ብምድሃብ ከምዝተዛተዩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ቺያዎ ሽዩቢን ኣብቲ እዋን ዘተ፤ ትካሎም ኣብ ልምዓት ዓውዲ ኢነርጂ ልዑል ልምዲ ከምዘለዎን ኣብ ቻይናን ኣፍሪካን ዓበይቲ ፕሮጀክታት ብምህናፅ ከምዝፍለጥን ኣገንዚቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.