ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ኣካይዱ
ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ኣካይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 1 ሺሕን 446 ፆም ረመዳን ምኽንያት ብምግባር መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ኣካይዱ፡፡
እቲ መርሃ-ግብሪ ሓድነትን ሕውነትን ንምጥንኻር ኣብ ሆቴል ስካይ ላይት እናተኻየደ እንትኸውን፤ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር፣ ዓማዊልን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ተረኺቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ላዕለዎት ኣመራርሓ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ተኸተልቲ እቲ እምነትን ተሳቲፎም።
ብመራኦል ከድር