Fana: At a Speed of Life!

ግልጋሎት ወለንታ ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ኣድላዪ ሓገዝ ክግበር እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመናእሰይ ባህሊ እናኾነ ዝመፅአ ግልጋሎት ወለንታ ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ወለንታ ብምጥንኻር ብራኸ ኢትዮጵያን ክነረጋግፅ ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከተማ ሓቆፍ ስፖርታዊ ፌስቲቫል ኣብ ኣደበባባይ መስቀል ተኻይዱ።

ኣብቲ ስፖርታዊ ፌስቲቫል፥ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ምክትል ከንቲባ ጃንጥራር ኣባይ ከምኡ እውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ቤተ ሰብ ስፖርት ተረኺቦም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን÷ ግልጋሎት ወለንታ ብመናእሰይ ባህሊ እናኾነ ከምዝመፅአ ብምሕብር በቲ ግልጋሎት ብፍላይ ኣረጋዊያንን ዓቕመ ደካማታትን ተረባሕቲ ዝገበሩ ዝጭበጡ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡን ገሊፀን፡፡

ግልጋሎት ወለንታ ገንዘብ ዘይሓትት ተበግሶ ህሊና ጥራሕ ዝደሊ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ መናእሰይ እዚ ተግባር ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፀዊዐን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግልጋሎት ወለንታ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንኽሰጋገር ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር እውን እተን ከንቲባ ኣረጋጊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.