Fana: At a Speed of Life!

ግልጋሎት ትልሚ ስድራ ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት 36 ሚሊየን ዶላር ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ትልሚ ስድራ ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተወሳኺ በጀት 36 ሚሊየን ዶላር ኣብ ሞንጎ መንግስቲን መሓዙት ኣካላትን ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት÷ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ምስ ተወከልቲ መሓዙት ትካላት ተፈራሪሞምዎ፡፡

ሚኒስትር ዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ÷ ግልጋሎት ትልሚ ስድራ  ከም ሃገር ዓብዪ ትኹረት ተዋሂቡ ክሳብ ውዳበ ኤክስቴንሽን ጥዕና እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሀን፡፡

ይኹን እምበር ሕዚ እውን እቲ ግልጋሎት እናደለያ ተበፃሒ ዘይኮነለን 22 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ገሊፀን፡፡

እቲ ዘሎ ፀገም ቀረብ ንምፍታሕ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን መሓዙት ኣካላትን ስምምዕነት ተወሳኺ በጀት 36 ሚሊየን ዶላር ከምዝተፈረመ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.