ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደራት ሃገራት ኖርዲክ ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝቕመጡ ኣምባሳደራት ሃገራት ኖርዌይ፣ ስዊድንን ፊንላንድን ዘቲዮም።
እቲ ዘተ፥ ኣብ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ኖርዲክ ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀረ ርክብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ህዝቢ ምስ ህዝቢን ከምዘለዋ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ነዚ ኣጠናኺራ ንምቕፃል ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጦም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ለውጢ እውን መብርሂ ሂቦም።
ኩባኒያታት ሃገራት ኖርዲክ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዝፍጠር ዘሎ ምቹእ ኩነታት ብምጥቃም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቶም ኣምባሳደራት ብግደኢም፥ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅን ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን እትገብሮ ስራሕቲ ንኢዶም።
እተን ሃገራት ብጉጅለን ውልቀን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን እወንታዊ ርክብ ብምጥንኻር ኣብ ከይዲ ዘሎ ስራሕቲ ለውጢ ከምዝድግፋ ኣረጋጊፆም።