ጋዜጠኛ ከተማ ሃይለማርያም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋዜጠኛ ኢቢሲ ከተማ ሃይለማርያም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ
እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ፓሪዮ ኢትዮጵያን ኤፍ ኤም ኣዲስ 97 ነጥቢ 1ን ንነዊሕ ዓማውቲ ኣገልጊሉ ኢዩ።
ጋዜጠኛ ከተማ ሃይለማርያም ብዘጋጠሞ ሕማም ሕክምና ክከታተል ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ሎሚ ዘፅብሕ ከምዝዓረፈ ተገሊፁ።
ስርዓተ ቀብሩ ሎሚ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ዑራኤል ደብረ ፅጌ ከፍፀም ኢዩ።
ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንመላእ ቤተሰቡ፣ ኣዝማዱን ደገፍቱን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!