Fana: At a Speed of Life!

ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ተመራማሪ ቋንቋን ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገበረ ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ።

ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ካብ ዝሓለፈ ክራማት ጀሚሩ ብዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና ክትትል ሕክምና እናገበረሉ ደሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ምሸት ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ ኣሎ።

ስነስርዓት ቀብሩ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 9፡00 ኣብ ኮልፌ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሙስሊም ክፍፀም ኢዩ ተባሂሉ።

ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ተመራማሪ ቋንቋን ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ብዙሓት ነፀላ ዜማታት ዘበርከተ እንትኸውን፥ ኣርባዕተ ዓይነት መሳርሒታት ሙዚቃ ምጭዋት ይኽእል ነይሩ።

ኢብራሂምደራሲ ግጥምን ዜማን ከምዝነበረ ብቐረባ ዝፈልጥዎን ናቱ ስራሕቲ ዝተፃወቱን ይምስክርሉ።

ሬዲዮ ፋና ኣብ 1987 ዓ.ም እንትጣየሽ ናብ ፋና ካብ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ሓደ እንትኸውን፥ ፕሮግራም ኣፋን ኦሮሞ ኣሰናዲኡ ብምቕራብ ይፍለጥ።

ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ኣብ ሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ክሳብ ኤዲተርነት ዘገልገለ እንትኸውን፥ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ጋዜጠኛ ስፖርት ነይሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.