Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ወልዋሎ ንስሑል ሽረ 3 ንባዶ ረቲዓታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል ሳልሳይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ጋንታ ስሑል ሽረን ወልዋሎን ኣብ ስታዲየም ትግራይ ፀወተአን ኣካይደን።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ወፀታ፥ ገናናው ረጋሳ ኣብ መበል 16 ደቓይቕ፣ ጁኒያስ ናጋነጂቦ ኣብ መበል 32 ን 55ን ደቓይቕ ብዘቑፀሩወን 3 ሸቶታት ጋንታ ወልዋሎ 3 ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት ረቲዓ ኣላ።

ስለዝኾነ ወልዋሎ፥ 9 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ቅርቅርቲ ተቐሚጣ ነቲ ፕሪምየር ሊግ ትመርሕ ኣላ።

ብተመሳሳሊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ድማ፦

• ወልቅጤ 1-0 ፋሲል ከተማ

• ሃዋሳ ከተማ 1-0 ባህርዳር ከተማ

• ሰበታ ከተማ 0-0 ኣዳማ ከተማ

• ወላይታ ዲቻ 0-0 ቅዱስ ጊዮርጊስ

• ድሬዳዋ ከተማ 1-0 ሃዲያ ሆሳኢና ብዝኾነ ውፅኢት ፀወተአን ዛዚመን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.