Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ወልቂጤ ከተማ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሰሪዛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንጋንታ ኩዕሾ እግሪ ወልቂጤ ከተማ ካብቲ ሊግ ከምዝሰረዛ ኣፍለጡ።

እታ ጋንታ ንዘበነ ውድድር 2017 ናይ ጋንታ ላይሰንሲንግ ምዝገባን ካልኦት ዝተቐመጡ መለክዒታትን ብዘይምምላኣ ኢያ ካብቲ ሊግ ተሰሪዛ ዘላ፡፡

ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መብርሂ÷ ሓንቲ ጋምታ ንዘበነ ውድድር 2017 ምዝገባ ላይሰንሲንግ ጋንታ ምሰካየደት ዝተቐመጡ መለክዒታት ምምላኣ ምርመራ ከምዝግበር ፀሪሑ፡፡

ብምዃኑ እታ ጋንታ ክተማልኦ ዝግባእ ብዘይምምመላኣ÷ ኣብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ መምርሒ ዲሲፕሊን ክፍሊ 3 ዓንቀፅ 69 ንኡስ ዓንቀፅ 3 ታራ ቁፅ 14 መሰረት ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ከምዝተሰረዘት ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.