Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ስፖርት ምክልኻል ኮምፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ሓይሊታት ጦር ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ስፖርት ምክልኻል ኮምፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ሓይሊታት ጦር ንዝርከቡን በቲ ኲናት ንዝተጎድኡን ዜጋታት ልዕሊ190 ሺሕ ብር ግምት ዘለዎም ክዳውንቲን ኣቑሑት መናፅሂን ሓገዝ ገይሩ።

ተወካሊ ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ብርጋዴር ጄነራል ኣስፋው፥ ናይ ቁርፂ እዋን ውላድ ኢትዮጵያ ዝኾኑን ሃገሮም ንምድሓን ናይ ህይወትን ኣካልን ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስለዝኾኑ ዘይርሳዕ ታሪኽ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

እቶም ጀነራል መኮንን፥ “እቲ ተገይሩ ዘሎ ሓገዝ ኣብ ጎኖም ከምዝኾንና ንምርኣይ ኢዩ” ዝበሉ እንትኾኑ፤ ኣብቲ ዳይሬክተር ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።

ኣዛዚ እቲ ሆስፒታል ብርጋደዴር ጀነራል ሃይሉ እንዳሻው ብግደኦም፥ ኣካል እቲ ሰራዊት ዝኾነ ጋንታ ስፖርት ምክልኻል ንዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ብምቕራብ እቲ ሓገዝ ብዝግባእ ንተጠቀምቲ ከምዝበፅሕ ምሕባሮም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.