Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት እንተወንጭፎም ዝነበሩ ተተኮስቲ ሮኬታት ኣብ ከተማ መቐለ መኽዘን ውልቀ ሰብ ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ብተደጋጋሚ ናብ ከተማ ባህርዳር፣ ጎንደርን ኣስመራን እንተወንጭፎም ዝነበሩ ተተኮስቲ ሮኬታት ኣብ ከተማ መቐለ መኽዘን ውልቀ ሰብ ከምዝተረኸቡ ኮማንድ ፍሉይ ወፍሪ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከተማ መቐለ ካብ ዝቆፃፀር ንደሓር ኮማንድ ፍሉይ ወፍሪ ካልኣይ ብርጌድ ሓደ ሻለቃ ወጋገን ኣብ ዝገበሮ ተፍቲሽን ዳህሳስን ኣብ ውሽጢ መኽዝን ዘይተተኮሱ 13 ሮኬታት ከምዝተረኸቡ ሓቢሩ።
7 ሮኬታት ድማ ካብ ዝነበርሉ ሳፁን ወፂኦም ከምዝተተኮሱ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ እቶም ሮኬታት ዝውንጨፉሉ ከቢድ ተሽከርካሪ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘሎ ከባቢ ተሓቢኡ ከምዝተረኸበ ኢቲቪ ፀብፂቡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.