Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ኣቑሑት ርዳእታ እናጋዓዙ ዝነበሩ ብር 12 ሚሊየን ግምት ዘለዎም ከበድቲ ተሸከርከርቲ ምዝራፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ንማሕበረሰብ ላሊበላን ከባቢኣን ኣቑሑት ርዳእታ ኣብፂሖም እናተመለሱ ዝነበሩ ብር 12 ሚሊየን ግምት ዘለዎም ከበድቲ ተሸከርከርቲ ምዝራፉ ተሓቢሩ፡፡

ኣይተ ጋሻው ሹምየ ዝተብሃሉ ዉልቀ ሰብ÷ ብመሰረት መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ምብፃሕ ኣቑሑት ርዳእታ ናብ ላሊበላን  ከባቢኣን ግቡኦም ተዋፂኦም እንትምለሱ ጉጅለ እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ መንገዲ ከቢድ ተኹሲ ብምኽፋት ዘረፋን ዕንወትን ከምዝፈፀመሎም ተገሊፁ፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ÷ ኣብ ልዕሊ 4 ከበድቲ ተሸከርከርረቲ ተኹሲ ብምኽፋት ሓንቲ ተሸከርካሪ ምስ ተስሓቢኣን መለዋወጢ ኣካል ሰለስተ ተስሓብቲን ዘሪፎም እዮም፡፡

ዝተረፉ ሰለስተ ከበድቲ ተሸከርከርቲ እቶም ገናሕቲ ሒዞም ከምልጡ ከምዝኸኣሉ ተገሊፁ፡፡

ዝተሰረቑን ዕንወት ዝበፅሖምን ተሸርከርቲ ብር 12 ሚሊየን ግምት ዘለዎም ምኻኖም ብዓል ዋና እቶም ተሸከርከርቲ ኣይተ ጋሻው ሹምየ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ወፍሪ ምብፃሕ ሰብኣዊ ርዳእታ ዝነበሩ ተሽከርከርቲ ዘረፋን ዕንወትን ዘብፀሖ መሕፈሪን  ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ እዩ ኢሎም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.