Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከባቢ ሰሜን ጎንደር ልዑል ማሕበራዊን ሰባኣዊን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከባቢ ሰሜን ጎንደር ልዑል ማሕበራዊን ሰባኣዊን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ምምሕዳር እቲ ዞባ ገሊፁ።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣይተ ያለኣለም ፈንታሁን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ሓዊሱ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ፣ ሆስፒታላት፣ ትካላት ትምህርቲ፣ ሆቴላትን መሰረተ ልምዓትብ ብምዝማትን ብምዕናውን ዳግም ኣገልግሎት ከምዘይህባ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

እቲ ዝበፅሐ ሰብኣዊ ጉድኣት ንቐፃሊ ብመፅናዕቲ ከምዝግለፅ ሓቢሮም።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ህፃናት ብምድፋር፣ መናእሰይ ዓፊኑ ብምውሳድ፣ ብዙሓት ከምዝቐተለን ዝተፈላለዩ በደላት ከምዘብፀሐን ሓቢሮም።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ዝቐረበሉ ፃውዒት ሰላም ብምንፃግ ፅሕተራን ዘመተን ከምዝጀመረ ብምግላፅ፥ እቲ ስሙር ሰራዊት ብዝተወደበ መገዲ ኣድላዪ ምላሽ ይህቦ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ነቲ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ደገፋት ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም።

ብምንይችል ኣዘዘው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.