Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዕሊ 60 ጅምላን ተናፀልን መቓብራት ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ ቀቢሩ ሃዲሙ ኢዩ – ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ልዕሊ 60 ጅምላን ተናፀልን መቓብራት ኣብ ውሽጢ ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ ቀቢሩ ከምዝሃደመ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።

ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝወረረ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ ኣብ ደቡብ ወሎ ዝርከብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ገርባ ኣልነጃሽ መኽዚን ጦርን ማእኸል መሕከሚ ቁሱላትን ገይሩዎ ፀኒሑ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ጦር ካምቦ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ኮምፒዩተራት ዘሪፉ ኢዩ፣ መፃሕፍቲ ኣቃፂሉ፣ ክፍሊታት ቤተ ፈተነ ኣዕኒዩ ከምዝኸደ እውን ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ቤት ትምህርቲ ካብ መዕደጊ ፍልጠት ናብ መቓብር ቦታ ምቕያሩ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፀሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝሞቱ ወታደራቱ ኣስከሬን ከምዝቐበረሉ ተሓቢሩ፡፡

ልዕሊ 60 ጅምላን ተናፀልን መቐብራት ኣብ ቀፅ እቲ ቤት ትምህርቲ ቀቢሩ ከምዝሃደመን በዚ ድማ ተምሃሮ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ንምምሃር ፅንቶ ስነ-ኣእምሮ ከምዝበፅምን ተገሊፁ፡፡

መንግስቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ መቓብራት ኣልዒሉ ናብ መቓብር ቦታ ተወሲዶም ንኽቕበሩ ምትሕብባር ንኽገብር ነበርቲ ምሕታቶም ካብ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.