Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓተው ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንተግባር ራዕዲ ዘዋፈሮም ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓተው ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንተግባር ራዕዲ ዘዋፈሮም ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ፌዴራል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ብምምስሳል ክኣትዉ ብምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ልኡኽቶ ተዋሂቡዎም ብምእታው ተግባር ራዕዲ እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ ከምዝተፈለጠ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌዴራል መላኩ ፈንታ ገሊፆም።

እቶም ኣባላት ግብረ ራዕዲ ኣብ ትካላት ንግዲ፣ ኣብ ቤት ዕዮ መንግስቲን ካልኦት ስራሕቲ ሞያን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ተሸጒጦም ክኣትዉ ብምግባር ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንምትርማስ ሃቂኖም እናሰርሑ ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ንተግባር ራዕዲ ዘዋፈሮም ብዙሓት ውልቀ ሰባት ብዙሕ ተተኳሲ ጥይት፣ ካብ ነብሲ ወከፍ ክሳብ ናይ ጉጅለ ጦር መሳርሒ ማለት እውን ቡምባታት ተቐፃፀልቲ ፈንጂታት ከምኡ እውን ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ገንዘባት ሒዞም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ኣብሪሆም።

ዝተፈላለዩ ናይ ክልልን ፌዴራልን ውዳበ ፀፅታ ዩኒፎርም ምስ ኣርምኡ ብምልባስን ዝተፈላለዩ መነፀር ዓውደ ኲናትን ካልኦት ናውቲን ብምጥቃም ኣሰሓሒቶም ንምኽዳን ከምዝፈተኑ እውን ፖሊስ ብዝገበሮ ፍተሻ ከምዝረኸበ ገሊጾም።

ናይ ሕሶት መለለዪ መንነት ንምድላው ዘገልግሉ ማሕተማትን ናውቲን ተታሒዞም ኢዮም ተባሂሉ።

ነዞም ሓይሊታት ፈሊኻ ኣብ ምውፃእ ቀንዲ ተግባር ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ይኹን እምበር ሓገዝ ሕብረተሰብ ሕዚ እው ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምግንዛቦም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.