Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሙዚቃዊ ምድላዋቱ ኣብ ኣስመራ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት ዝምራሕ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ናይ መጠቓለሊ ሙዚቃዊ ምድላዋቱ ኣብ ኣስመራ ሲኒማ ሮማ ኣቕሪቡ።

ኮሚሽን ባህሊን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመዴ ተኽለ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ንኸዓስል ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ስዒቡ፤ ንምጥንኻር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።

እቲ ምድላው ንኽገሃድ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያን ዝምልከቶም ኣካላት ኤርትራን ንዝገበሩዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ወይዘሮ ብዙነሽ ብግደአን፥ ጉጅለ ባህሊ ኤርትራ ዓሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ከተማታት ሙዚቃዊ ምድላው ምቕራቡ ኣዘኻኺረን።

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ከተማታት ከረንን ምፅዋዕን ሙዚቃዊ ምድላዋቱ ዘቕረበ እንትኸውን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ቦታታት ዑደት ከምዘካየደ እውን ገሊፀን።

እቲ ፃንሒት ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንምትሕብባር ዘለወን ዕድል ንምግንዛብ ከምዘኽእል ተዛሪበን።

ተልእኾ እቲ ጉጅለ ዕዉት ንኽኸውን መንግስትን ህዝቢን ኤርትራ ንዝገበረሎም ምትሕብባር ምምስጋነን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.