Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ስዋት ፖሊስ ፌደራል ስዋት ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ቅልጡፍ ምላሽ ሕቡራት ኤምሬትስ ዓረብ እንትሳተፍ ዝፀንሐ ጉጅለ ስዋት ፖሊስ ፌደራል ስዋት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት መደረ ዝገበሩ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል፥ ከም ሃገር ንፈለማ እዋን ትካል ፖሊስ ኣብቲ ውድድር ምስታፉ ንህፀት እወንታዊ ገፅታ ኢትዮጵያ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ርክብ ፖሊስ ምስ ፖሊስ ክብ ንምባል ዘለዎ ረብሓ ልዑል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኣብ ታሪክ ፖሊስ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ውድድር ምስታፍ ምኽኣልና ልምዲን ተመክሮን ነክንረክብ ኣኽኢሉና ኢዩ ምባሎም ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ቀፃሊ ንዝግበር ውድድር ምምሕያሽ ዝግበኦም በምልላይ ብዝሓሸ ብቕዓት ምድላው ነክንክእል ዕድል ዝፈጠረ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.