Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብምኻድ ሰፊሕ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብምኻድ ሰፊሕ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከምዘካየዱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታተን ካብ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተልኣኸ መልእኽቲን ብምሓዝ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት የብፅሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ምስ መራሕቲ ጅቡቲ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ሩዋንዳ፣ ፈረንሳይ፣ ቤልጂየም፣ ጣልያን ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘድሃበ መበርሂ ከምዝሃቡ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምርኻብ ዘተ ከምዝገበሩ ብምግላፅ፥ ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ምስቲ ሕብረት ዘለዋ ርክብ ብዝምልከት ከምዝተዘተየሉ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘምልከት መበርሂ ዝሃቡ እንትኸውን፥ መስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብምትሕሓዝ ዝተፈፀሙ ገህሰታት ነፃን ገለልተኛን በዝኾነ ወገን መርመራ ንክግበር ኢትዮጵያ በራ ክፉት ከምዝኾነ ንሕብረት ኣውሮፓ ተገሊፁ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.