Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ብመጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ብመጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝኸውን ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ንሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣረኪቡ።

ብምክትል ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ሲሳይ ቶላ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ÷ ኣብ ሶማሊያ ተረኺቡ መጥቃዕቲ ብግብረ ራዕዲ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕሉ መሳርሒታት ሕክምናን ኣፋውስን ንሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ከረክብ ክኢሉ፡፡

እቶ ቤት ዕዮ ኣገልግሎት ሎሚ መዓልቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ÷ ካብ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ካብ ምክልኻልን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ከምኡ እውን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝተውፃእፀአ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፤ ግብረ ራዕዲ ኣለሸባብ 19 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲን ልዕሊ 100 ሰባት ዝተቐተሉሉን መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ኣብ ሶማሊያ መቃዲሾ ተረኺቦም ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.