Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ላዕለዎት መኮንናት ምክልኻል ሩዋንዳ ኣብ ትካላት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ምክልኻል ሩዋንዳ ኣብ ኣውቶሞቲቭ ኢንጅነሪንግ ኢንዱስትሪ ቢሾፍቱን ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያን ዑደት ገይሩ፡፡

እቲ ልኡኽ ብዋና ዳይሬክተር እቲ ኮርፖሬሽንን ጌታቸው ሃይለማርያምን ላዕሎዎት መኮንናትን ኣቀባብላ ዝተገበረሎም እንትኸውን፤ ስራሕቲ እቶም ትካላት ብዝምልከት ገለፃ ተገይሩሎም፡፡

ኣውቶሞቲቭ ኢንጅነሪንግ ኢንዱስትሪ ቢሾፍቱን ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያን ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዘርእዩ ህያባት ንልኡኽ ምክልኻል ሩዋንዳ ኣበርኪቶም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብተመሳሳሊ ንክልቲኦም ትካላት ምክልኻል ህያብ ምብርካቱ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.