Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከተማታት መጥቃዕቲ ንኽፍፅሙ ዘዋፈሮም ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉ ኣለዉ – ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከተማታት መጥቃዕቲ ንኽፍፅሙ ዘዋፈሮም ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ከምዝኾኑ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እንደሻው ጣሰው ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዘዋፈሮም ውለቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዕሉ ዘለዉ ውልቀ ሰባት፥ ሕብረተሰብ ብዝህቦ ሓበሬታን ዝገበሮ ምትሕብባርን ከምኡ እውን ብጥንኩር ክትትል ሓይሊታት ፀፅታ ምዃኑ ገሊፆም።

እኩይ ተግባር ህወሓት ንምፍሻል ኣብ ዝቕፅ እዋን ዝግበሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኮሚሽነር ጀነራል እንደሻው ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.