Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ጎንፂ ንምፍጣር ክጥቀሙሎም ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሎም ኣብ ዝተፈለዩ ከባቢታት ብጥንኩር ውዳበ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራል ክልል ኣምሓራን ጎረባብቲ ዞባታት ዞባ ሰሜን ሽዋን ወረዳታትን ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሸኔን ንምቁፅፃር ዘኽእል ኣወዳድባ ይፈጥሩ ኣለዉ።

ጥቡቕ ቁፅፅር ምግባር ዝከኣለሉ ኣሰራርሓ እናተዘርገሐ ዝርከብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋን ምምሕዳር ብሄረሰብ ዞባ ኦሮሞ፣ ዞባ ሰሜን ሽዋ ክልል ኦሮሚያ ከምኡ እውን ኣብ ዞባ 5 ክልል ዓፋር ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሃመድ፥ ቅድሚ ሕዚ ናይ ብሄር ጎንፀ ንምፍጣር እናሰርሑ ዝፀንሑሎም ጎረባብቲ ዞባታት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ኦሮሚያን ጥቡቕ ቁፅፅር ንምግባር ዘኽእል ስርዓት ከምዝዘርግሑ ተዛሪቦም።

እቶም ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ጎንፂ ንምፍጣርን መጥቃዕቲ ንምፍፃምን ዝኽእሉሎም ክፍተታት ኩሎም ንምድፋን እናተሰርሐ ይርከብ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ሕብረተሰብ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንቑሕ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ግርማ የሺጥላ፥ ጥምረት ሰለስቲአን ክልላት ኣብ ግምባር ዓወት ካብ ምቅልጣፉ ሓሊፉ ሕድሕድ ምትእስሳር እተን ክልላት ከምዘጠናኽር ገሊፆም።

እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ኣብቲ ቀጠና ምስ ዝርከቡ ሓይሊታት ፀፅታ ዞባታት፣ ወረዳታት፣ ከተማታትን ጣቢያታትን ብምዝታይ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ከምዝፈጠሩ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ሰሜን ሸዋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድአእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.