Fana: At a Speed of Life!

ጉድለት ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ብኣማራፂ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ንምትካእ ይስራሕ ኣሎ – ሓልቲ ቢሮ ሕርሻ ክልላት

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉድለት ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ብኣማራፂ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ብምትካእ ፍርያታውነት ምህርቲ ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓልቲ ቢሮ ሕርሻ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ሲዳማን ገሊፆም።

ንእታወት ሕርሻ ወሰንቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ነገራት ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ብወሰኽ ዋጋ፣ ብመጠንን ግዘን ምትእጉጓል ካብ ወትሩ ዝተፈለየ ፈተና ኣጋጢሙዎ ተባሂሉ።

ክልል ኦሮሚያ 8 ነጥቢ 2 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ የድልዮ እምበር ብወገን ሚኒስቴር ሕርሻ ዝቐርበሉ ብፅሒት ግን ልዕሊ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኩንታል ጥራሕ ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ጌቱ ገመቹ ተዛሪቦም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሃይለማርያም ከፍያለው ብግደኦም፥ ኣብ ዘበነ ምህርቲ እዚ ዓመት እቲ ክልል ልዕሊ 8 ሚሊየን ኩንታል ድሌት ስለዘለዎ ክሳብ ሕዚ 4 ሚሊየን ኩንታል ናብቲ ክልል ክበፅሕ ከምዝነበሮን 1 ሚሊየን ኩንታል ጥራሕ ተበፃሒ ከምዝኾነን ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ሲዳማ ኣይተ መስፍን ቀሬ ብግደኦም፥ ኣብቲ ክልል ብመንፅር ዘሎ ጠለብ ክፍተት ኣየሃሉ እምበር ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ዋጋ ልዕሊ ፍርቂ ወሰኽ ኣርኢዩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.